ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ መንግስቲ ናብ ሄይቲ ሰራዊት ከይልእኽ ዘሕለፎ እገዳ ኣናሂሑ

Radio Erena: Thursday, 26 October 2023

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ሄይቲ እናገነነ ንዝመጽእ ዘሎ ፋሉልነት ንምርግጋእ ኣብ ዝዋጻእ ኣህጉራዊ ሓይሊ ዝዋፈር ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰራዊት ንምልኣኽ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተኣጊዱ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ ናይ ውሳኔ እገዳ ዳግመ ግምት ክገብረሉ መንግስቲ ኬንያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ዘቕረኦ ይግባይ ሕቶ’ውን ንኻልኣይ ግዜ ከምዝተነጽገ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ብዛዕባ እቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝሓለፈ፣ ሰራዊት ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዞባ ካሪብያን እትርከብ፣ ብጉጅለ ገበነኛታት እትሕመስ ዘላ ካልእ ሃገር ንምልኣኽ ዝብል ውሳኔ ዝእግድ ዘሎ፣ ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ሰልፊ፣ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 09 ሕዳር ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሄይቲ እናሳዕረረ ንዝመጽእ ዘሎ ናዕብን ፋሉልነትን ንምግታእ፣ ኣህጉራዊ ሓይሊ ክዋፈር ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኬንያ ብፍሉይ ዝሰልጠነ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ፖሊስ ክትልእኽ ምዃና’ያ ተመባጺዓ።

ኣምሳያ ናይቲ ናብ ሄይቲ እተዋፍሮ ሓይሊ ድማ፣ ኣመሪካ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብረላ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0