‘ኢትዮጵያ ብወራር ከተተግብሮ ትደሊ መደብ የብላን’ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

Radio Erena: Thursday, 26 October 2023

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብያ ኣሕመድ፣ ኣብቲ ብምኽንያት መበል 116 ዓመት ምምስራት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥቅምቲ 2023 ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንሰራዊት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኢትዮጵያ ብወራር ከተተግብሮ ትደሊ ነገር የለን ክብል ተዛሪቡ።

ሰራዊት ናይ ሰላም ሓይሊ እዩ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ደሙ ዘፍስስ፣ ኣዕጽምቱ ዝኽስክስ፣ ከምኡ ውን ሂወቱ በጃ ዝህብ ንሰለለስተ ነገራት እዩ ። ንሱ ድማ ሰላም ምሕላው፣ ዝጠፍአ ሰላም ንምምላስ፣ ከምኡ ውን ዝተረኽበ ሰላም ንምጽናዕ`ዩ ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኢትዮጵያ ብሓደ ሓደ ጉዳያት ዝርርብ የድልየናሎ ዝብል ሕቶ ስለ ዘልዓለት፣ ወራር ከይነካይድ ስግኣታት ከምዘሎ ንርኢ`ሎና። በዚ ክቡር ዕለት ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ምክልኻል ሰራዊትን ክገልጾ ዝደሊ ነገር ግን፣ ኢትዮጵያ ብወራር ይኹን ብሓይሊ ከተተግብሮ ትደሊ መደብ የብላን።ንናይ ሓባር ጥቕምን ንናይ ሓባር ምዕባለን ግን ንኹልና ዕዉታት ዝገብሩና ጉዳያት ምስ የሕዋትና ተዘራሪብና ከነተግብር እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ድሌታትና ንምትግባር ኣብ የሕዋትና እንትኩሶ ቃታ ከምዘየለ ኣጽኒዐ ከረጋግጸልኩም ይደሊ።ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ንሓያሎ ኤርትራውያን ከምዘቖጥዐ ዝፍለጥ::

እቲ ሚኒስተር ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ጎረባትና መንያ ካብ ኢትዮጵያ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘይትወስድ ድሕሪ ምባል ናትኩም ሃቡና ናትና ግን ኣይንህብንማለት ግን ትኽክል ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ።

ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ሓቲትና ምስ ኤርትራን ጅቡትን ከጋጭወና እዩ ዝብሉ ኣለዉ ዝበለ ኣቢይ፣ ኣብ 2030 ናብ 150 ሚልዮን ክዓርግ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ጂኦግራፊ እሱር ኮይኑ ሱቕ ክብል ከምዘይኮነ ክትኮስ ምኳኑ ኣጠንቂቑ።

ካብዚ መግለጺኡ ተበጊሱ ህዝቢ ብዛዕባ ክህቦ ዝጸንሐ ርእይቶታት መልሲ ንምሃብዩ ድማ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝነበረ መበል 116 ዓመት ጽምብል ምምስራት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ምውራር መደብ የብልናን ዝበለ።

ናይ 2019 ስልማት ሰላም ኖብል ዝተቐበለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብቲ ሽዑ ዘስመዖ መደረ፣ ኲናት ንዝፈልጦ ቀታሊ እዩድሕሪ ምባል፣ ኣነ ብኣካል ተሳቲፈ ኣለኹ፣ ኣብ ኲናት ሓው ምስ ሓው ክቃተሉ ርእየ ፣ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ብፍርሓት ከንቀጥቅጡ ተዓዚበ፣ ኲናት ጨካንን ቀታሊን እዩ ዝገብረካ። ምሳይ ዝነበሩ ክሞቱ ተዓዚበ፣ ብዛዕባ ስድርኦም ተጨኒቐ፣ ዝተሰብሩ ልብታት፣ ዝሓዝኑ ስድራቤታት ቁጽሪ የብሎምንድሕሪ ምባል፣ ንሱ ግን ንሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገርን፣ ንሰላም ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ክጽዕት ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

ዓመት ድሕሪ ስልማት ኖብል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብዝተወለዐ ኲናት፣ ብ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ክመውት እንከሎ፣ ብዙሓት ድማ ግዳይ ስንክልና ፣ድኽነትን ስደትን ከም ዝኾኑ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0