ደቡብ ሱዳን፣ ስምምዕ ሰላም ጁባ ክትግምግሞ እያ

Radio Erena: Wednesday, 18 October 2023

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2020 ኣብ መንጎ ብሰንደቕ ዕላማ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት፣ ዕጡቓትን ዘይዕጡቓትን ጉጅለታት ዝፈረመቶ ስምምዕ ሰላም ጁባ ንምግምጋም ዝመጽእ ሰሙን ኣኼባ ከምዝካይድ ትማሊ ብሰኑይ 16 ጥቅምቲ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ብብዙሓት ቀንዲ ተዋጋእቲ ውድባት እታ ሃገርን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ጥቅምቲ 2020 ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ንሰፊሕ መዳያት ዝሽፍን ኮይኑ ምሕደራ፣ ጸጥታን መሰጋገሪ ፍትሕን ዝሓቖፈ እዩ።

እንተኾነ ግን ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብወተሃደራዊ ምትእትታዋትን ስዒቡ ዝመጸ ጎነጻዊ ግጭታትን ተጸልዩ፡ ክሳብ በቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተዋፈሩ ወገናት ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ዝበጽሕ ኩሉ ፖለቲካዊ መስርሕን ዘተን ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ ።

ንውድባትን ንዞባን ሕጋዊ መሰረት ስምምዕ ሰላም ጁባ ንምዝኽኻር ኣብ ዝዓለመ ጻዕሪ ምክትል ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ትማሊ ሶኑይ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ዘተ ኣካይዱ።

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምትግባር ስምምዕ ሰላም ዛሕልታት ኣርእዮም ብዝብል፣ ኣመሪካ ንትግባረኡ ካብ ዝከታተል ጉጅለ ከምዝሰሓበት ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ ይዝከር።

ትግባረ እቲ ስምምዕ ሰላም ተጓቲቱ ስለዘሎ፣ ኣብ 2023 ምርጫ ክካየድ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ኣመሪካ፣ ካብቲ ናይ ምክትታል ጉጅለ ምስሓባ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0