ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ኣብ ቀጻሊ ስግኣታት

Radio Erena: Wednesday, 18 October 2023

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ካብ ቤት ንብረቶም ምምዝባል ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

ሓደ ተኽሊት ዝተባህለ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ትማሊ ሰንበት ምሸት ብናይ ሓማስ ሮኬት ገዝኡ “ፍጹም ከምዝተሃስየ” ገሊጹ። “ኣነ ኣምላኽ ሓልዩኒ ክወጽእ ክኢለ ዝበለ ተኽሊት ኩሉ ንብረቱ ግን ከም ዝዓነወ ሓቢሩ።

ካልእ ኤርትራዊ፡ ካብ ኣሽከሎን ሃዲሙ ናብታ ውሑስቲ ዝኾነት ከተማ ነታንያ ድሕሪ ምኻዱ፡ “ሓድሽ ስደተኛ” ኮይኑ ከምዝተሰምዖ ሓቢሩ። “ገዛይ ዓንዩ ተመዛቢለ ኣለኹ፡ እንተወሓደ ግና ንግዚኡ ውሑስን ካብቲ ዘስካሕክሕ ጫውጫውታን ርሒቐን ኣለኹ” ክብል ተዛሪቡ።

ኤርትራዊ ተጣባቒ መሰላት ስደተኛታት ዝኾነ ብርሃነ ነጋሲ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሞት ኤርትራዊ ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ከምዝጠፍኡ ግን ኣመልኪቱ።

“ምስ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፡ ፖሊስ፡ ሰራዊትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር ሃለዋቶም ንምርግጋጽ ንሰርሕ ኣለና” ክብል ድማ ገሊጹ።

ማሕበር ሓድሽ ተስፋን ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝተመዛበሉ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ወለንታዊ ንጥፈታት ይሳተፉ ምህላዎም ብርሃነ ነጋሲ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሩ ኔሩ።

ንሱ ብተወሳኺ እዚ ኵናት ንእስራኤላውያን ጥራይ ዘይኮነ ንኤርትራውያን’ውን ዘሻቕልን ዘቖጥዕን እዩ ኢሉ ኔሩ።

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምክያዱ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኪናት ይርከቡ።

በቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝተነግረሉ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ተወንጫፊ ሮኬታት ከምዝጀመረ ቀጺሉ ዕጡቓት ሓማስ ብባሕርን ብመሬትን ንኣሽቱ ዓድታት ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0