ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቁጠባ ክሳተፋ ምትብባዕ፣ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ንዝግበር ወፍሪ ኣገዳሲ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: Friday, 06 October 2023

መሊንዳ ፍረንች ገይትስ ኣብ ዘ ኤኮኖሚስት ኣብ ዘስፈረቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ መራሕቲ ሃገራት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቁጠባ ከደንፍዑ ተዘኻኽር።

ንሳ ምስ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ስነ ቁጠባ ኣብ ዝገበረቶ መጽናዕቲ፣ደቂ ኣንስትዮ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጠባ ክሳተፋ ምስ ዝኽእላ፣ንስድራቤተን ፋይናንሳዊ ምርግጋእ ከም ዝውስኽ፣ስድራቤታት ካብ ስእነት ብቕልጡፍ ክሓውያ ከም ዝሕግዘን፣ ንጽንዓት ሓንቲ ሃገር ውን ከም ዝድግፍን ትሕብር።

እዚ ድማ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሩ መጽናዕትታት ተተወኪስና ውን ከም ዝድግፉና ትዛረብ።

ንሳ ትብል ካብ Eurasi group(ኣብ 1998 ብኢያን ብሬመር ዝተመስረተ ናይ ፖለቲካ ሓደጋ ኣማኻሪ ትካል) ዝተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፣ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ኣብ ቁጠባዊ ሓይሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝግበር ወፍሪ ቀዳምነት እንተሂቦምዎ፣ ዓለማዊ ቁጠባ ክሳብ 2030 ተወሳኺ 7% ሚእታዊት ወይ 10 ትሪልዮን ዶላር ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣፍሊጣ።

እዚ ሰነድ ኣብ መንጎ ቁጠባዊ ትካል ደቂ ኣንስትዮን ምንካይ ድኽነትን ምትእስሳር ከምዘሎ ዘርኢ ኮይኑ፣ ክኢላታት ከምዚ ዓይነት ትካል ንውሕስነት መግቢ ኣገዳሲ ይቖጽርዎ።

እዚ ድማ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሩ መጽናዕትታት ተተወኪስና ውን ከም ዝድግፉና ትዛረብ።

‘ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ባንኪ ዓለምን IMFን ዓመታዊ ኣኼባታቶም ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ ንፖሊሲ ዝብድሁ ብዙሓት ቅልውላዋት ክህልዉ እዮም፡ እዚኣቶም ድማ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሕጽረት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ለውጢ ክሊማ እዩ። ዓለም ዝሓሸ መንገዲ ንቕድሚት ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን፡ ብልክዕ ሕጂ ብዛዕባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቁጠባ ክዝክሩ እላቦ። ኣብ ቁጠባዊ ሓይሊ ደቂ ኣንስትዮ ወፍሪ ንምግባር ዝቐርብ ጉዳይ ክሳብ ክንድ’ዚ ህጹጽ፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ተስፋ ዘለዎ ወይ ክንድ’ዚ ተግባራዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን።’ ክትብል ድማ ጽሑፋ ትድምድም።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0