ኣፍሪቃ፣ ኮሌራ ብናህሪ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ እዋን ጥንቃቐታት ክግበር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ

Radio Erena: Friday, 06 October 2023

ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ዚምባብወን ብናህሪ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዚምባብወ እቲ ሕማም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ናይታ ሃገር ብናህሪ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ መንግስቲ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ከም ዝደረተ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እቲ ሕማም መጀመርታ ኣብ ፈለምቲ መዓልታት ናይዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ኣብ 5 ጎደቦታት ናይ ሃራረ ከም ዝተራእየ፣ ካብኡ ድማ ናብታ 2 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ከተማ ሃራረ ብናህሪ ከይላባዕ ተሰጊኡ ከም ዘሎ ቤት ምኽሪ ናይታ ከተማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነዚ ንምግታእ ነበርቲ እተን እቲ ሕማም ኣስፋሕፊሑለን ዘሎ ዞባታት፣ ዝኾነ ምትእኽኻባት ከየካይዱ ፣ስርዓተ ቐብሪ ብውሑዳት ሰባት ክካየድን ዝኾነ መግቢ ከይዳሎን ክፉታት ሸቐጣ ሸቕጥ ንግዚኡ ኣገልግሎቶም ደው ከብሉን መንግስቲ ከም ዝኣወጀ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዛካ ሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ውን፣ ኮሌራን ብቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ዴንጋን ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ’ዩ።

ሕማም ኮሌራ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ’ውን ተኸሲቱ ምስ ምህላዉ፣ እቲ ለብዒ ናብ ካልእ ከባቢታት ከየስፋሕፍሕ ልዑል ጥንቃቐታት ከምዘድሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ።

ኮሌራ፣ ጽሬቱ ኣብ ዘይሓለወ ኣከባቢ ዝርአ ኮይኑ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ክኸውን እንከሎ፣ ዴንጋ ድማ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0