ዩኒሴፍ፣ ንዓመተ 2024 ዘገልግል 3.4 ሚልዮን ክታበት ናብ ኤርትራ ኣእትዩ

RADIO ERENA – Thursday, 11 April 2024

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ወይ ዩኒሴፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ፣ ውሕስነት ጥዕና ቆልዑ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ፣ ኣብዚ ዓመትዚ ካብ 14 ሕማማት ንምክልኻል ዘኽእል 3.4 ሚልዮን ክታበት ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነቲ ፍሉይ ክንክን ዘድልዮ ክታበታት፣ ብ04 ሚያዝያ ብፍሉይቲ ነፋሪት ናብ ኣስመራ ከምዘእተዎ ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ፣ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቱን፣ ብዓጸቦ ንዝተጠቕዑ ቆልዑ መኣዛዊ መግብታት ኣብ ምቕራብ፣ ድሕነት ነፍሰጾር ኣዴታት ኣብ ምሕላውን ሞት ዕሸላት ኣብ እዋን ወልዲ ንምውሓድን ዓመታዊ ናይ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ምወላ ከምዝገብር ይፍለጥ።

እቲ ትካል፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ብምትሕብባር ከምዘተግብሮዩ ዝገልጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0