ሓደ ካብ ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ ኦነግ፣ ዓሪፍሉ ኣብ ዝነበረ ሆቴል ተቐንጺሉ

RADIO ERENA – Thursday, 11 April 2024

ሓደ ካብ ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምዃኑ ዝተገልጸ፣ ባቴ ኡርጌሳ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ከተማ መቂ፣ ዓሪፍሉ ኣብ ዝነበረ ሆቴል ከምዝተንቀጸለ መርበባት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ንሱ፣ ናብታ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት ከተማ ብስራሕ ኣብ ዝተጓዓዘሉ እዋንዩ፣ ኣብ ዝዓረፈሉ ሆቴል፣ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጠ ሰባት ብጥይት ተቐቲሉ።

ከተማ መቂ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ዞባ ምብራቕ ሸዋ እትርከብ ከተማያ።

ባቴ ኡርጌሳ፣ ብዙሕ እዋን ክፍታሕን ክእሰርን ምጽንሑ ዝሓበራ መርባት ዜና ኢትዮጵያ፣ ምስ ሓደ ፈረንሳ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ ድሕሪ ምቕናዩ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈትሐ ኣስሚረናሉ።

ንሱ፣ ኣብ ጉዳይ ኦሮሞ ዓቢ ጽልዋ እናፈጠሩ ክመጹ ካብ ዝጸንሑ ሓድሽቲ ወለዶ ፖለቲከኛታት ናይቲ ክልል ምዃኑዩ ዝሕበር።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ እቲ ፖለቲካዊ ክንፉ ብሰለማዊ መንገዲ ቃልሱ ንምቕጻል ክውስን እንከሎ፣ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ግና፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ብረታዊ ጥምጥም ተጸሚዱ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0