ሞዛምቢክ፣ ግጉይ ሓበሬታ ለበዳ ኮሌራ ሞት 100 ሰባት ኣኸቲሉ

RADIO ERENA – Wednesday, 10 April 2024

ሕማም ኮሌራ ንምጥፋእ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተማእከለ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ይውሰድ ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ቅልጡፍ መርመራታት ናይቲ ሕማም ናብ 14 ሃገራት ክመቓራሕዩ።

እዚ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ዓለማዊ ወፍሪ መርመራታት ሕማም ኮሌራ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ሓቢሩ።

እዚ ብጋቪ፡ ኪዳን ክታበት ዝተዋደደ መርመራታት፡ ንሰብመዚ ጥዕና እቲ ከባቢ፡ ምልላይ ሕማም ኮሌራ ንምምሕያሽ፡ ለበዳታት ንምክትታልን ኣድማዕነት ወፍሪ ክታበታቶም ንምግምጋምን ዝሕግዝ እዩ።

እቶም ናይ ሕማም ኮሌራ መመርመሪ ናውቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ሶርያን ዛምብያን ሓዊሱ ኣብ ልዑል ሓደጋ ለበዳ ዝርከባ ሃገራት ክዕደልዩ።

ሕማም ኮሌራ ካብ 2021 ጀሚሩ ብዓለም ደረጃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ቀሊል፡ ውጽኢታውን ብተመጣጣኒ ዋጋን ሕክምና እኳ እንተሃለወ፡ ልዑል ቁጽሪ ሞት ከምዘጋጥም ይፍለጥ።

እዚ ክትከላኸሎ ትኽእል ሕማም ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ድኹም ተበጻሕነት ውሑስ ማይን ጽሬትን ከምኡ እውን ዝርግሐ ለበዳታት ብቕልጡፍ ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሞዛምቢክ ብሰንኪ ብዛዕባ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ሞት 100 ሰባት ኣኸቲሉ።

ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ሞዛምቢክ ብሰንኪ ዝተዘርገሐ ብዛዕባ ለበዳ ኮሌራ ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ፈሪሆም ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ዝደለዩ ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ከባቢ 100 ሰባት ሞይቶም።

ብዙሓት ካብኣቶም ህጻናት ዝኾኑ ብውሕዱ 96 ሰባት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ካልኦት 26 ድማ ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብዛዕባ መበገሲ ናይቲ ግጉይ ሓበሬታ ብዝርዝር ኣይገለጹን።

ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ዝኾነት ሞዛምቢክ፡ ኮነ ኢልካ ምስ ሕማም ኮሌራ ዝተኣሳሰር ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ዝስዓበ ሞት ዜጋታት እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0