የመን፣ ኣብ ድሮ ዒድ ኣልፈጥር ንዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ንምቕባል ኣብ ዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ ልዕሊ 85 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 21 April 2023

ኣብ የመን፣ ከተማ ሰንዓ፣ ኣብ ድሮ ዒድ ኣልፈጥር፣ ብለገስቲ ንዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ንምቕባል ኣብ ዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ፣ ልዕሊ 85 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ከምዝቖሰለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቶም 50 ካብቶም ቆሲሎም ዘለዉ፣ ብከቢድ ዝተሃስዩ’ዮም።

ኣብ ሓደ ጸቢብ ጎደና ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፣ ንዝዕደል ዝነበረ ሓገዝ ንምቕባል፣ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝደፋፍእሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ነታ ከተማ ዘመሓድር ናይ ሑቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብሓሙስ 20 ሚያዝያ፣ መብዛሕቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ግዳያት ዝገበረ ጽቕጥቅጥ የጻርዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0