ሱዳን፣ 320 ወትሃደራት መንግስቲ ናብ ቻድ ሃዲሞም

Radio Erena: 21 April 2023

ኣብ ሱዳን ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሃደሙ ኣስታት 320 ወትሃደራት ሱዳን ናብ ቻድ ከምዝኣተዉ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፣ ጀነራል ዳውድ ያሕያ ብራሂም ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ንማዕከናት ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዝነበሩ ወትሃደራት መንግስቲ፣ ካብቲ ብጀነራል ሓምዳግ ዳጋሎ ዝምራሕ፣ ብ ‘ፈጣን ሓይሊ’ ዝፍለጥ ተወርዋቲ እዚ ዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ብምህዳም’ዮም ዶብ ቻድ ሰጊሮም።

ኣብ ዶብ ተዋፊሮም ዝርከብ ሰራዊት ቻድ፣ ነቶም ወትሃደራት ሱዳን ዕጥቖም ብምፍታሕ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም እቲ ሚኒሰር ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ቻድን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን፣ ነቲ ብጀነራል ሐሚቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሊ ይድግፋ ኣለዋ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጸሎ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ያሕያ፣ ሃገሩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረቤት ሃገር ጣልቃ ዘእቱ ምኽንያት ከምዘይብላ ብምጥቃስ፣ ዶባቶም ይከታተሉ ምህላዎም ኣነጺሩ።

ቻድ፣ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ፣ ዶባታ ከምዝዓጸወት እኳ እንተገለጸት፣ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ሰለማውያን ሰባት ተዕቝብ ከምዘላ ሓቢራ።

ኣብ ቻድ፣ መብዛሕቶም ተወላዶ ዳርፉር ዝኾኑ ልዕሊ 400 ሽሕ ሱዳናውያን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ተዓቝቦም ከምዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኤርትራ እትርከበን ጎረባብቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዓይኒ ጸጥታ ይከታተልኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0