ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ቶዅሲ ሱዳን ዘትየን

Radio Erena: 19 April 2023

ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፣ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ቶዅሲ ሱዳን ከምዝዘተያ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘውጽኦኦ መግለጺ ኣፍሊጠን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብ18 ሚያዝያ፣ ምስ ስዑዳዊ መዘንኡ ፈይሰል ቢን ፋርሓን ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ብዝቐልጠፍ ደው ዝብለሉ መንገድታት ተመያይጡ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣቐዲሙ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ዝርርብ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ 24 ሰዓታት ዝጸንሐ ምቑራጽ ቶዅሲ ከምዝተሰማምዑ እኳ እንተገለጽሉ፣ ኣብ ባይታ ግና ዝሃድአ ጠበናጁን ከበድቲ ብረታትን ኣይተራእየን።

ምስ ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ንክልቲኦም ወገናት ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ከተቐራርቦም ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝህልዋ ሕርያ፣ ካብ ጀነራል ኣልቡርሃን ንላዕሊ ብዝያዳ ናብ ጀነራል ሐምቲ ከምዝዛይድ ዝገልጹ ተንተንቲ፣ ከም ናጻ ኣካል ሸምጋሊት ክትከውን ከምዘይትኽእል የረድኡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢጋድ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሕቡራት ሃገራትን ከም ደቡብ ሱዳን፣ ጂቡቲን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራትን፣ ምቑራጽ ቶዅሲ ንኽትግበር ከም ሸምገልቲ ክዋስኣ ከምዝኽእላ ኣንፊተን ኣለዋ።

ኣብ ሱዳን፣ ዝልዓለ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዋ ኣመሪካ፣ እቲ ዘተ ዋላ ብዝኾነ ካልእ ኣካል ክካየድ እትድግፍ እንተኾነት፣ ምትእትታዋ ከምዘይተቛርጽ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ የገንዝቡ።

ሱዳን፣ ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ በይና እገዳ ኣመሪካ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ ሃገር ብሰንኪ ንከቢድ ቁጠባዊ፣ ወትሃደራውያን ፖለቲካውን ብድሆታት ተቓሊዓ’ያ።

ኣመሪካ፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር’ውን እንተኾነ፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ክትክተሎ ዝጸንሐት ፖሊሲታት ከምዘይትቕይር ትእንፍት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0