የመን፣ ሸሞንተ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕማም ውጽኣት ሞይቶም

Radio Erena: 03 May 2019

ኣብ የመን፣ ኣብ መዓስከር ላሕጅ ተዓቝቦም ዝጸንሑ፣ ብውሕዱ ሸሞንተ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሕማም ውጽኣት ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።

እቲ ትካል ብሓሙስ 2 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ “ዝበዝሑ እቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ስደተኛታት ዜጋታት ኢትዮጵያ’ዮም” እኳ እንተበለ፣ ዝርዝር መንነቶም ኣየነጸረን።

ኣብ የመን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ኣብ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ብሕማም ውጽኣት ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

እዚ ሕማም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት’ውን የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ላሕጅ፣ ኣብያንን ዓደንን፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0