ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቻይና ምብጻሕ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 02 May 2019

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ቻይና ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

ልኡኽ ኤርትራ፣ ካብ 5 ክሳብ 10 ግንቦት ኣብ ቻይና ምብጻሕ ዘካይድ፣ መንግስቲ ቻይና ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

እቲ ልኡኽ ኣብ ናይ ቻይና ዑደቱ ኣብ ወፍሪ፣ ምወላን ልቓሕን ዘተኮረ ዝተፈላለየ ምይይጣትን ስምምዓትን ክኽተም ትጽቢት ይግበረሉ።

ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ቤልት ኤን ሮድ ዘእንገደት ቻይና፣ ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ዋዕላ’ያ ትዕድሞ ዘላ።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ካብ 25 ክሳብ 28 ሚያዝያ ኣብ ቤጂንግ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ጥራይ’ዮም ተሳቲፎም።

ጅቡቲ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዕደና፣ ህንጻ፣ ምሕዳስን ምስፋሕን ወደባትን መንገዲ ባቡራትን ዘተኮረ ናይ 10ታት ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ መዲባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ምስ ምጅማር ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ቻይና፣ ነቲ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጽርግያን መንገዲ ባቡርን ንምትእስሳር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፣ ከም ዓቢ ዕድል ከምእትጥምቶ ኣቐዲሙ ክጥቅስ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ምስታ ኣስታት 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ገዚፍ ወፍሪ፣ ቻይና ንወደባት ኤርትራ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ክትጥቐመሉ መደብ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ ቻይና፣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እትስልዖ ዘላ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ልቃሕን ምወላን፣ ነቲ ዞባ ጅሆ ከይትሕዞ ሓያሎ ተንተንቲ ቁጠባ ስግኣቶም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0