ኢትዮጵያ፣ ንዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 03 May 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ንዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ምፍንቓል ሰለማውያን ሰባትን ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ባህርዳር ተኻይዱ።

እቲ ብ2 ግንቦት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ግዝኣተ ሕጊ ክኽበር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ደው ክብልን መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ክሕሉን ጸዊዑ።

እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣብ ኦሮምያ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን፣ ካልኦት ክልላትን ኣብልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ብሄር ግጭታት፣ እቲ ኣውራ ግዳይ ህዝቢ ኣምሓራ’ዩ ካብ ዝብል ስምዒታት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የመልክቱ።

ካብዚ ዝተላዕለ፣ መራሕቲ ክልል ኣምሓራ፣ ንረብሓታትን ድሕነትን ህዝቢ ኣምሓራ ዝውክሉ ኣይኮኑን ካብ ዝብል ስምዒታት፣ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ’ውን ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት፣ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሃድአ ጸብጻባት’ታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ “ብናይ ውልቀሰባት ባእሲ’ዩ ተጓሃሂሩ” ዝበሎ ግጭት፣ ብምትእትታው ፈደራል ፖሊስ ደው ኢሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብተን ግጭት ዝተኻየደለን ከባቢታት ምትፍናን ከምዘሎ እቶም ጸብጻባት ገሊጾም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0