ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብቲ ክልል ከምዝምለስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 23 August 2023

ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ወልቃይት ዝርከቦ ከባቢታት ምዕራብን ራያ ዝርከቦ ደቡብን ትግራይ፣ ብመሰረት ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።

ንሱ ብምኽንያት’ቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትግራይ ዝጽንበል ዘሎ በዓል ኣሸንዳ፣ ብ22 ነሓሰ፣ ብማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ምስዚ ከባቢታት ብዝተሓሓዝ ካብ ክልቲኦም ክልላት ንዝመጽእ ዘሎ ናይ ይግብኣኒ’ዩ ምስሕሓብ፣ ብመሰረት ቅቃም ወይ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝፍታሕ ኣስሚርሉ።

ህዝቢ’ቲ ከባቢ ነናብ ዓድታቱ ንምምላስ ይስርሓሉ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ህዝቢ ትግራይ ዝመረጾም ኣመሓደርቲ ናብቲ ከባቢታት ከምዝምደቡ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት፣ ብዘይካ ፈደራላዊ ሰራዊት፣ ካልኦት ዕጡቓት ከምዘይሰፍርሉ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣነጺሩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት ኣብ ትሕቲ ዕጡቓትን ሚሊሻታትን ኣምሓራ ወዲቑ ዝርከብ፣ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፣ ዕሙር ናይ ንግዲ ከተማ ሑመራን፣ ህጡር ሕርሻዊ እቶት ዝሕፈሰሉ ወልቃይትን የጠቓልል።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት፣ ናብ ክልል ትግራይ ክምለስ ምዃኑ ክጥቀስ እኳ እንተጸንሐ፣ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ከረጋግጾ ግና ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ብደቡብ ትግራይ ዝርከብ ከባቢታት ራያን ኣላማጣን’ውን ናብ ክልል ትግራይ ክምለስ ምዃኑ’ዩ መግለጺ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘብርህ።

ብዛዕባ’ዚ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ካብ ክልላውያን መንግስቲ ኣምሓራ ይኹን ትግራይ ዝተዋበ ናይ ተቓውሞ ይኹን ደገፍ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ረጽሚን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅን ወዲቑ ዝርከብ ክልል ኣምሓራ፣ ነቲ ይግብኣኒ’ዩ እናበለ ክምጉተሉ ዝጸንሐ ሰፊሕ ከባቢታት ናብ ክልል ትግራይ ክምለስ እንተተወሲኑ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሳኺ ወጥርን ምትፍናንን ክርአ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0