ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ወሳኒ መጥቃዕቲ ንምክያድ ኣብ እተካይዶ ዘላ ምድላዋት፣ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ብሓገዝ ረኺባ

Radio Erena: Thursday, 23 August 2023

መንግስቲ ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ፣ ካልኣይ መድረኽን ወሳኒን መጥቃዕቲ ንምጅማር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፣ ክልተ Bell 412 ዝዓይነተን ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ብሓገዝ ከምዝተዋህቦ ምንጭታት ገሊጾም።

እዘን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሶማል ከምዝኣተዋ ዝተገልጻ ሄሊኮፕተራት፣ ኣብ ቱርኪ ክስልጥኑ ብዝጸንሑ ሶማላውያን ኣብረርቲ እናተመርሓ፣ ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ድጋፍ ክህባ ምዃነን እቶም ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣሚቶም።

ንሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኣብ ምስልጣን ዓቢ ኣበርክቶ እትገብር ዘላ ቱርኪ፣ ሓይሊ ኣየራ፣ Bell 412 ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት ዝዓጠቐ ምስ ምዃኑ፣ ሶማል’ውን ብሓገዝ ካብዛ ሃገር ተዋሂባተን ክትከውን ከምእትኽእል ስክራምብል ዝተባህለ ኣብ ኣቭየሽን ብምትኳር ጸብጻባት ዘቕርብ ናይ ዳች መጽሔት ጠቒሱ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2023’ውን፣ ንብረት ኢጣልያ ዝነበራ ክልተ Agusta Bell AB 412 ዝዓይነተን ተመሳሰልቲ ሄሊኮፕተራት፣ ናብ ሶማል ምስ ምግዓዘን፣ ምንጪ ናይቲ ወትሃደራዊ ሓገዝ ኢጣልያ ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት።

ሶማል፣ ነዘን ኣብዚ ዓመት እዚ ብሓገዝ ዝረኸበተን ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራት ከም መበገሲ ብምጥቃስ፣ ሓይሊ ኣየራ ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ስራሕ ክትመልሶ ትጽዕር ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ’ውን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝዋፈሩ ሶማላውያን ወትሃደራት ከምዘሰልጠነት ኣይርሳዕን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0