ብሪክስ፣ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ኣባላቱ ክኾና ዕድመ ኣቕሪቡ

Radio Erena:Friday, 25 August 2023

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንክልተ መዓልታት ዝተጋብአ ዋዕላ ብሪክስ፣ ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ኣባላቱ ክኾና ዕድመ ከምዘቕረበ ፕረዚደንት ሲሪል ራሞፋሳ ኣረጋጊጹ።

ብሪክስ ናብ ደምበኡ ብምልኣት ክጽንበራ ዕድመ ዘቕረበለን ሽዱሽተ ሃገራት፣- ኢትዮጵያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ኢራንን ኣርጀንቲናን’የን።

ኣባልነት እዘን ሃገራት፣ ካብ ሓደ ጥሪ 2024 ከምዝጅምር’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ቁጠባ ዘተኮረ ደምበ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ልዕሊ 40 ሃገራት፣ ንኢትዮጵያ ጥራይ’ዩ ዕድመ ኣቕሪቡ።

ነዳዲ ብምፍራይ፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ ናብዚ ደምበ ምጽንባራ፣ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ተዓብሊሉ ዘሎ ስርዓተ ቁጠባ ዓለምና ንምቕያር፣ ወሳኒ ተራ ክህልወን ካብ ዝኽእላ ኣባላት ብሪክስ ክትከውን’ያ።

ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ንሓሙሽተ ሃገራት ሓቑፉ ዝጸንሐ ብሪክስ፣ ብዝሒ ኣባላት ንምዕባይ ድሌት እኳ እንተለዎ፣ ናብቲ ደምበ ዝጽንበራ ሃገራት መን መን ይኹናን ኣብ ክንደይ ግዜን ኣብ ዝብል ግና ዘይምርድዳእ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ልዕሊ 40% ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ዝርከበሉ ምትእክኻብ ሃገራት ብሪክስ፣ ብዝሒ ኣባላቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከዕቢ እንተኽኢሉ፣ ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ብዘለወን ሃገራት ምዕራብ ንዝምእዘዝ ስርዓተ ቁጠባ ዓለምና ብድሆ ክኾኖ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ካብ 22 ክሳብ 24 ነሓሰ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተጋብአ መበል 10ይ ዋዕላ ብሪክስ፣ ኤርትራ እትርከበን ኣስታት 65 ሃገራት ብመራሕተንን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናተንን ተወኪለን’የን ተሳቲፈንኦ።

ካብ ቀንዲ ኣባላት እቲ ደምበ ዝኾነት ሩስያ ግና፣ ፕረዚደንት ፑቲን ብጉዳይ ኵናት ዩክሬይን ኣብ ልዕሊኡ ብዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ማእሰርቲ፣ ብኣካል ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ’ዩ ተወኪሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0