ዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመወለ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ

ዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመወለ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 22 November 2018

cycling eriዝበዝሐ ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመወለ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ትማሊ ሮቡዕ 21 ሕዳር ጀሚሩ፣ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተፈላጥነት ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋኑ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብዚ ቅድድም፣ ልዕሊ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ተቐዳደምተን ናብ ኣስመራ ዝልኣኻ ግና ኢትዮጵያ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ናይጀርያ፣ ቤኒንን ሲሸልስን ጥራይ’የን።

ዕላማ’ዚ ብወጻኢታት መንግስቲ ኤርትራ ተመዊሉ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ፣ ብዘይካ’ቲ ኤርትራ ኣብዚ ዓውዲ ስፖርት ዘለዋ ዓቕሚ ከጉልሕ ዘለዎ ትጽቢት፣ ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ዝእንገድ ዘሎ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣብቲ ክሳብ 25 ሕዳር ዝካየድ ቅድድም፣ ተወዳደርቲ ክልቲኡ ጾታታት ክሳተፉ’ዮም።

============== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0