ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኦጋዴን ናብ ኢትዮጵያ ተፋንዮም

ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኦጋዴን ናብ ኢትዮጵያ ተፋንዮም

Radio Erena: 22 November 2018

onlf homecomingኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ፣ ዕጡቓት ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተፋነዉ እቲ ግንባር ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ሓደ ክፋል ኦብነግ ዝኾኑ ዕጡቓት፣ ናብ ሃገሮም ዝተፋነዉ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ናይቲ ግንባርን፣ ብ21 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ’ዩ።

ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፋነውሉ፣ ወከልቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ መራሕቲ ኦብነግ ተረኾቦም ኔሮም።

እቶም ዕጡቓት ካብ ኣስመራ ብቐጥታ ናብታ ርእሰ ከተማ ክልል ሶማል ዝኾነት፣ ጂግጅጋ’ዮም ኣትዮም።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ተቓወምትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣምሓራን ትግራይን ነናብ ክልሎም ከምዝተፋነዉ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ኦሮሞን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ፣ ዕጥቂ ናይ ምውራድ ስምምዕ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተተግበረ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ካብ ኤርትራ ዝተፋነዉ ተቓወምቲ ኦሮሞ ዕጥቆም ክፈትሑ እንከለዉ፣ ብወገን ኬንያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ግና ዛጊት ብረቶም ከምዘየውረዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወቅስ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0