ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ህጹጽ ቆላሕታ ክወሃቦ ሓቲቶም

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ህጹጽ ቆላሕታ ክወሃቦ ሓቲቶም

Radio Erena: 22 November 2018

US Congresmen

መንግስቲ ኣመሪካ፣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ህጹጽ ቆላሕታ ክህቦ፣ ክልተ ኣባላት ባይቶ ሓቲቶም።

እቶም፣ ተወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ዝኾኑ ጀመስ መጋቨርን ራንዲ ሃልቲግሪን፣ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖሞዮ፣ ኣብ ዝልኣኽዎ ደብዳቤ፣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዝህሉ ዝምድና፣ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ክህብ ተላብዮም።

ንሳቶም ኣብቲ ብ19 ሕዳር ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሾ ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘርዝሪሮም።

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝበልዎ ኣርባዕተ ነጥብታት፣- ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፍጸም ዘሎ በደላት፣ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራትን መሰል ምንቕስቓስ ዜጋታት ምኽባርን ዝብል’ዩ።

ውራ መመኻነዪ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ምስሕሓብ ምስ ኢትዮጵያ፣ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስዚ ኣተሓሒዙ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ትግባረ ኣደስኪልዎ ዝርከብ፣ ቅዋም፣ ሃገራዊ ባይቶን ሃገራዊ ምርጫን ከተግብር ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ የለን።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንግስቲ ዛጊት፣ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ንምኽባር ይኹን እሱራት ንምፍታሕ ዝኾነ ተበግሶ ኣይወሰደን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0