ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ክስሕብ ዝቐረበ እማመ፣ ብኮንግረስ ተነጺጉ

Radio Erena: 30 April 2023
ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ክሰሓብ ዝጽውዕ፣ ብገለ ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ተነጺጉ።
ኮንግረስ ኣመሪካ ብ27 ሚያዝያ ኣብ ዝገበሮ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ምሉእ ብምሉእ ከይተደምሰሰ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ክወጽእ የብሉን ዝብል ድምጺ እዩ ዓብሊሉ።
‘900 ወተሃደራት ኣመሪካ ንመላእ ሶማል ከድሕኑዋ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ’ ዝብሉ ነቲ እማመ ዘቕረቡ ኣባላት ኮንግረስ፣ እቲ ሰራዊት ንጹር ዕላማን ተሓታትነትን እውን የብሉን ክብሉ ይኸሱ።
ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሶማል ክካየድ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ካብ ዘይፈልጡ ወተሃደራት ኣመሪካ፣ ብጎረባብቲ ሶማልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝካየዱ ዘለዉ ስርሒታት ዝያዳ ውጽኢታውያን እዮም ክብሉ ኣነጺሮም።
ብሰራዊት ኣመሪካ ዝሰልጠኑ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት ዕልዋ መንግስቲ ከካዪዱ ብተደጋጋሚ ከምዝረኣዩ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፣ እዚ ኣብ ሶማል ዝስልጥን ዘሎ ሰራዊት ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከምዘየካይድ እንታይ ውሕስነ ኣለዎ ይብሉ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ተሳሒቡ ዝነበረ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጻሉ እዋን፣ ነቲ ሰራዊት ዳግማይ ናብ ሶማል ከምዝዋፈር ምግባሩ ኣይርሳዕን።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ዘውጸኣቶ ወተሃደራዊ ባጀት፣ ንስለያ ዝምደብ ስቱር ገንዘብ ከይሓወስካ፣ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ምብጽሑ፣ ካብ ሓፈሻዊ እቶት ሶማል ዛዪዱ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0