ዚምባብዌ፣ ምቕያር ሓድሽ ናይ ቦንድ ባጤራ ተቓውሞ ህዝቢ ይገጥሞ

Radio Erena: 22 November 2016

Zim

ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዛ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዘይብላ ዚምባብዌ፣ ሓድሽ ናይ ቦንድ ባጤራ ንምትእትታው ፈተነ ተካይድ ኣላ።

ባጤራ ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ዝቕባበ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ድሕሪ ምእላዩ፣ ዶላር፣ ኤውሮን ራንዳ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ከም መተካእታ ባጤራ ከገልግል እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፣ ባንክታት እታ ሃገር ርኡይ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ስለዘጋጠሞ’ዩ መንግስቲ፣ ሓድሽ ናይ ቦንድ ባጤራ ንምትእትታው ፈተነ ዘካይድ ዘሎ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ እታ ሃገር፣ ኣብዚ መንግስቲ ከተኣታትዎ ዝጽዕር ዘሎ ሓድሽ ናይ ቦንድ ባጤራ፣ እምነት ስለዘጉደለ፣ በቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ክግልገል ከምዝመርጽ ተንተንቲ ቁጠባ ካብታ ሃገር የረድኡ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ነቲ ናይ ባንድ ባጤራ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝፈተነሉ፣ ህዝቢ ኣንጻር እቲ ባጤራን ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ፕረዚደንት ሙጋበን ተቓውሞ የካይድ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

ኣብ ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባን ባጤራን ቅልውላው፣ ህዝቢ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ባንክታት ተሰሪዑ ይውዕል ምህላዉ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

ብዝነበራ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ሕርሻን፣ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክትቅልብ ትኽእል’ያ ካብ ዝብል፣ ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ 38 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ናብ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ወሪዳ ትርከብ።

ህዝቢ ዚምባብዌ፣ ብቁጠባዊ ቅልውላው እናተሓመሰን፣ ዝበዝሐ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ብሚልዮናት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን እናተሰደ፣ 92 ዓመት መሊኡ ዝርከብ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ድማ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለተ ልደት ዝጽንብለሉ ዓመት፣ ሚልዮናት ዶላራት ከምዘባኽን ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0