ቻይና ንኢትዮጵያ ሓደ ቢልዮን ዶላረ ከተለቅሓ’ያ

Radio Erena: 22 November 2016

China Eth

ቻይና ንኢትዮጵያ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ከተለቅሓ ተሰማሚዐን።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ብምክትል ፕረዚደንት ሊ ዮዋንሽዎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተረ ሙላቱ ቶሸመን ድሕሪ ዘካየዶ ርክባት’ዩ።

እቲ ቻይና ንኢትዮጵያ እተለቅሖ ሓደ ቢልዮን ዶላራ፣ ኣብ ምህናጽ ኣካዳሚ መንገዲ ባቡርን ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክውዕል ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ የነጽር።

ብምክትል ፕረዚደንት ሊ ዮዋንሽዎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፣ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሑ፣ ኣብ ጅቡቲ ተመሳሳሊ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ዓብዱልቃድር ካሚል መሓመድን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘተኮረ ስምምዓት ከቲሙ’ዩ።

ቻይና፣ ነቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ተበጊሳ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘርግሐ መንገዲ ባቡር ኣብ ርእሲ ምህናጻ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ሓያሎ ናይ ህንጻ ፕሮጀክታት ከምዘለዋ’ውን ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ቻይና ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ’ያ ትጓየ ዘላ።

ስእሊ፣- ዘ ሪፖርተር

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0