ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ዓወታት ኣመዝጊቦም

Radio Erena: 21 November 2016

Tour Rwanda

ካብ ሰንበት13 ክሳብ ትማሊ 20 ሕዳር ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ሩዋንዳ 2016 ምስ ሰለስተ ክለባት ተጸንቢሮም ዝተቐዳደሙ ኤርትራውያን ኣንጸባራቒ ዓወት ኣመዝጊቦም።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይን ናይ መዛዘምን ቅድድም ዙር ሩዋንዳ፣ ብዓወት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ተስፎም ዑቕባማርያም ክዛዘም እንከሎ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃቲት ክለብ ዳይመንሽን ዳታን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝወከሉ መትከል ኢዮብ፣ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሔርን ኤልያስ ኣፈወርቂን ድማ ካልኣይ፣ ራብዓይን ሓሙሻይን ደረጃ ሒዞም።

ኣብዚ ምስ ሃገራዊት ጋንታን ክልተ ናይ ውልቂ ክለባትን ብምጽንባር ሸሞንተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ዝተሳተፍዎ መበል ሻሙናይ ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፣ ሩዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኮይኑ።

ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣልጀርያን ካሜሮን ብድምር ሽዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃን፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻ ትሽዓተ ናይ ውልቂ ክለባትን፣ ነፍሲ ወከፈን ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ብምልኣኽ ተሳቲፈን።

ሃገራውያን ጋንታታት ግብጺን ኬንያ ኣብዚ ቅድድም ክሳተፋ ምዃነን ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ቅድድም ብወግዒ ንምጅማር ሓደ መዓልቲ ምስተረፊ ግና፣ እዘን ሃገራት ከምዘይሳተፋ ምግላጸን ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0