ዙር ርዋንዳ፡ ደረጅኡ ካብ ዘዕቢ ንደሓር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንኻልኣይ ዓመቶም ብዘይ ብጫ ማልያ ወጺኦም

RADIO ERENA:-: Tuesday , 27 February 2024

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ርዋንዳ፡ መበል 16 ውድድሩ፡ ብ25 ለካቲት ኣብ ዝዛዘመሉ፡ ኤርትራ ብደረጃ ጋንታ ቀዳማይ ቦት ሒዛ።

ኣብዚ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ፕሮኮንቲነንታል ቲም Israel Premier Tech Academy፡ እንግሊዛዊ Joseph Blackmore ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን እንክሎ፡ ካብ ኤርትራውያን እቲ ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝገበ ድማ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም Bike – Aid ዳዊት የማነ ኮይኑ ዓስራይ ደረጃዩ ሒዙ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ደረጅኡ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ንደሓር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዘይ ብጫ ማልያ ክወጹ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ እዋኑ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ፡ ፍሉይ ተርእዮ ኮይኑ ካብ ዝተመዝገበን ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ዘቖጠዕን ፍጻሜ፡ ማልያ ንጉስ ዓቐብከምኡውን ማልያ መንጐኣዊ ሽኳሒዙ እሃለወ፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖ ሜትር ብሕቲ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሓበሬታ ተዛንዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ፡ ተቐዳዳማይ Bike – Aid ዮኤል ሃብትኣብ፡ ካብ ዝተዋህበ ደረት ግዜ ዶንግዩ ስለ ስለዝኣተወ፡ ካብ ዙር ርዋንዳ ምግላፉዩ።

ኣብዚ ዙር ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግቡ ልዑል ግምት ተዋሂብዎም ዝነበረ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ማሌዥያዊት ክለብ Terengganuን ዝኾኑ፡ መርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሎም ክንቐሳቐሱ ኣይተራእዩን።

/ሰ ብዛዕባዚን ካልእ ፍጻሜታትን ዘጣመረ ሰፊሕ መደብ ስፖርት፡ ኣብ ናይዚ ሰዓትዚ ፈነወና ክቐረብ ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0