ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ናብ ትግራይ ይስደዱ: ጭውያ ይቕጽል

RADIO ERENA:- Monday, 26 February 2024

ውዕል ሰላም ፕሮተርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ ተፈሪሙ ኲናት ትግራይ ደው ካብ ዝብል ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ጌሩ ኣሎ::

ኣብ ትግራይ ኲናት’ኳ ደው እንተበለ ስምብራት ዓውደ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ጥሜትን ምምዝባል ህዝብን ግን ጌና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ::

እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ሓያሎ ኤርትራውያን ሕጂ’ውን ዶብ ሰጊሮም ናብ ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ ካብ ምእታው ኣየቋረጹን::

ኣብ ኤርትራ ናብራ ክሳብ ክንደይ ስለዝመረሮም እዮም ገለ ኤርትራውያን ናብ ዞባ ዓውደ ኲናት ዝኾነት ትግራይ ምስዳድ ከም ምርጫ ዝወስድዎ ዘለዉ? ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ::

ንሱ ከይኣክል ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ ይጭወዩን ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱን ከምዘለዉ እዩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝሕብርዎ ዘለዉ::

ሓያሎ ተጨውዮም ጂሆ ተታሒዞም መጠኑ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብሓዋላ ከፊሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸዱ ይግበር ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ::

ኣብ ኣዲስ ኣበብ’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ብፖሊስ ከይተረፈ ይጭወዩን ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ይግደዱን ኣለዉ::

ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፈ እሙን ምንጪ ንኣብነት ‘ወላሓንቲ ከይገበረ ፖሊስ ንሰሙን መመላእታ ከምዝኣሰርዎ ሸሞንተ ሽሕ ብር ኣኽፊሎም ከምዘውጽእዎን ይሕብር::

ንሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ ፖሊስ ኣብ ወጻኢ ክንደይ ኣሕዋት ኣለዉኻ? ወርሓዊ ክንደይ ገንዘብ ይሕወለልካ ዝብል ሕቶታት ከምዝቐረበሉ: ሓደ ፖሊስ ኣፉ መሊኡ ‘ንሕና እኹል ገንዘብ የብልናን ንስኻትኩም ግን ብሓዋላ ብዙሕ ገንዘብ እናረኸብኩም ናብራ ኣኽቢርኩምልና’ ክብል ከምዝተዛረቦን ገንዘብ እንተዘይከፊሉ ናብ ሃገሩ ከባርርዎ ምኳኖም ከምዝነገሮ ይገልጽ::

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0