ግብጽን ኤርትራን፡ ንኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ ተመያይጠን

RADIO ERENA:- Tuesday , 27 February 2024

መራሕቲ ግብጽን ኤርትራን፡ ንኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝተመያየጡ፡ መርበባት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

መራሕተን እዘን ሃገራት፡ ኣብዚ ጉዳይ ዚ ከምዝተመያየጡ ዝተሓበረ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፡ ብቀዳም 24 ለካቲት ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታዉዩ።

ኣቐዲሙ ንፕረዚደንት ሶማል፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ካይሮ ተመሳሳሊ ኣቐባብላ ዝገበረሉ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ሉአላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ክጠሓስ ኣይንፈቅድን ኢናከምዝበለ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ሓሰን ቅድሚ ናብ ግብጺ ምጋሹ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ኣብ ዝተመያየጠሉውን፡ ኤርትራ ሉአላውነትን ግዝአታዊ ሓድነትን ሶማል ከምእተኽብርን ከምትድግፍን ከዘረጋገጸሎምዩ ቤት ጽሕፈቱ – ቪላ ሶማል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ አብ 2018 ሓድሽ ስልታዊ ዝምድና ድሕሪ ምምስራቱ፡ ብወገን ግብጺ ተቐባልነቱ ዛሕቲሉዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋንዚ ግን፡ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ እቲ ንኢትዮጵያን ሶማልን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ተመሳሳሊ መርገጺ ስለዝሓዛ፡ ብሓባር ክመያየጣሉ ከምዝጀመራ ተንተንቲ የረድኡ።

ምስ ግብጺ፤ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ናይ ነዊሕ ዓመታት ምስሕሓብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፡ ንሉአላውነትን ግዝአታዊ ሓድነትን ሶማል ዝጥሕስዩ ተባሂሉ፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፡ ብዘይካ ኣብዚ ዛዕባዚ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ ኩነታት ሱዳንውን ከምዝተመያየጡ መርበባት ዜና ግብጺ ጠቒሰን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0