ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ዝበኣሰ እዩ: ጠንቁ ድማ ትሑት ቁጠባን ትሑት ደረጃ ንቕሓትን እዩ

Radio Erena: Monday, 11 December 2023

ካብ 1991 ኣትሒዙ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 10 ታሕሳስ ን15 መዓልታት ዝጸንሕ ዓለምለኻዊ ጎስጓስ ኣንጻር ዘቤታዊ ዓመጽ(ጎነጽ) ይካየድ እዩ::

እዚ ጎስጓስ’ዚ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ምዕባይን ምክልኻሉን ዓመታዊ ይካየድ እዩ:: 25 ሕዳር – ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክኸውን እንከሎ 10 ታሕሳስ ድማ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት እዩ::

ዘቤታዊ ዓመጽ ክበሃል እንከሎ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ወይ መጻምድቲ ዝግበር ‘ኣካላዊ ማህረምት ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ’ ክኸውን ይኽእል: ዝበዝሕ እዋን ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝህሰያ ደቀንስትዮ ክኾና እንከለዋ ኣካለውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይትን ይወርደን እዩ::

ቀጺሎም ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝህሰዩ ህጻናት እዮም: ህጻናት ግዳያት ማህረምትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይትን ክኾኑ ይኽእሉ: ኣብ መጻኢኦም ድማ ዓቢ ስንብራትን ናይ ዕቤት ሃጓፍን ዕንቅፋትን ይፈጥር::

ቁጠባዊ ስእነትን ቅልውላው ስድራቤትን ትሑት ደረጃ ትምህርትን ንቕሓትን ቀንዲ ካብ ጠንቅታት ዘቤታዊ ዕመጽ እዮም::

ኣብቲ ጉዳይ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም ብዘቤታዊ ዓመጽ ዓመጽ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትከውን እንከላ ኤስያ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ::

ኣብ ኣፍሪቃ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት: 40 ሚእታዊት ምዕራብ ኣፍሪቃ 65 ሚእታዊት ማእከላይ ኣፍሪቅ: 42 ሚእታዊት ድማ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ ብመጻምድተን ተሃሪመን ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መጉዳእቲ ከምዝወርደን ይገልጻ::

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣፍሪቃ ንምውጋድ ደቀንስትዮ ገዛእ-ርእሰን ዝኽእላሉ ቁጠባዊ ወፍሪ ምክያድ: ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ንቕሓቶም ክዓቢ ትምህርታዊ ጎስጓስ ምሃብ ቀንዲ መፍትሒ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ::

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘቤታዊ ዓመጽ ዝርአ ኮይኑ ዝያዳ ኣብ ስደተኛታት ከምዝርአ ኤርትራውያን ድማ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዝለዓለ ከምዝዋስኡ ይግለጽ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0