ኢጋድ- ኲናት ሱዳን ይዝቲ: ተኹሲ ብቕጽበት ደው ክብል ይጽውዕ

Radio Erena: Monday, 11 December 2023

መራሕቲ ሃገራት ምትእኽኻብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ – ኢጋድ ዝሓለፈ ቀዳም 9 ታሕሳስ ንኲናት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም ድሕሪ ዝገበርዎ ምይይጥ ‘ኣብ ሱዳን ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም::

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስሚዒል ዑመር ጊለ ኣብ ዝሃቦ ቃል: ኲናት ሱዳን ንህሉዉና እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትዩ: ንሃገራት ምብራቕ ኣፍርቃ’ውን ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ድሕሪ ምብል: ንሱዳን ሰላም ንምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ጸጥታ ግቡእ እዩ ኢሉ::

ኣቦ ወንበር ኢጋድ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት እስሚዒል መራሕቲ ኢዳድ ኣብ ሱዳን ተጻብኦ ደው ኢሉ: ተኹሲ ተቋሪጹ ናይ ሰላም ስምምዕ እንተዘይተኻይዱ ህላወ ሱዳን ከምእንፈልጦ ነበረያ ነበረ ክኸውን ምኳኑ ኣጠንቂቑ::

እዚ ድማ ንሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ ዞባ ሓደገኛ ብምኳኑ ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል ብዝኾነ ዋጋ ተግባራዊ ክኸውን ጸዊዑ::

ኣብ ኣኼባ ኢጋድ መራሕቲ ኬንያ: ኢትዮጵያ: ሶማልያ: ሕብረት ኣፍሪቃ: ፕረዚደንት ሱዳን ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን: ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት: ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተረኺቦም ኔሮም::

ካብ 15 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ብዝካዩስ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ጀነራላት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣስታት 33 ሽሕ ቆሲሎም: 6.8 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0