ፖለቲካዊ ፍልልይ ኤርትራውያን ይገፍሕ

Radio Erena: Monday, 11 December 2023

ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ፍልልይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገፍሐን ሓደገኛ እናኾነን ይመጽእ ኣሎ::

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፌስቲቫላት ህግደፍ ንምዕናው ኢሉ ዝተበገሰ ብርጌድ ንሓመዱ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ከም ዝተላዕለ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣንጻሩ ከም ‘4ይ ግንባር’: ‘ዋልታ’: ‘ሓደ ልቢ’: ‘ብድሆ’ን ካልእን ዝብል ዝተፈላለየ ሽም ንርእሶም ዘጠመቑ ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻሮም ክልዓሉ ይርአዩ ኣለዉ::

እዞም ዝተፈላለየ ኣስማት ሒዞም ኣንጻር ብርጌድ ንሓመዱ ጓይላታት ኣብ ምክያድ ዝነጥፉ ዘለዉ ጉጅለታት ‘ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ምንባር ስኢንና’ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት እዮም::

እዞም ጉጅለታት ኣቐዲሞም ኣብ እስራኤል ጓይላ ድሕሪ ምግባር ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ከምዝተጋጨዉ ዝዝክር ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ኣብ ስዊድንን ስዊዘርላንድን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ ጓይላታት ኣካይዶም::

ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ንብርጌድ ንሓመዱ ንምርስሳን ዕለትን ቦታን ብምስጢር ተታሒዙ ዝተኻየደ ጓይላ ሓተቲ ዑቕባ ክንሶም ንጮኪኑ ኣሳዲዱና ዝብልዎ ህግደፍ ዝፍግፍ ጽሑፋት ክዝርግሑን ብደርፍታት ክስዕስዑን እንከለዉ ጸጥታ ዝሰግአ ፖሊስ ሓበሬታ መንነቶም ኣኪቡ ኣሎ::

ኣብ መንጎ ብርጌድ ንሓመዱን እዞም ኣንጻሩ ዝተተኣኻኸቡ ጉጅለታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ምፍኽኻር ከምዘሎ መግትኢ እንተዘይተጌርሉ ኣብ ደም ምፍሳስን ምቅትታልን ከየምርሕ ስግኣት ኣሎ::

ተቓወምቲ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ምፍንታት ከጽብብ ዝፍትን ነቶም ዝተቓወምዎ ብወያነ ዝተላእኩ ብሞሳድ ዝተምርሑ እዮም ዝብል መልእኽታት ዘመሓላልፍ ምኳኑ ዝያዳ ይጋደድ ኣሎ::

መንግስቲ ኤርትራ ን32 ዓመታት ዝተኸተሎ ናይ ምዕባለ ይኹን ውሽጣውን ዲፕሎማስያውን ፖሊሲታት ንኤርትራ ናብ ዕንወትን ስደት ዜጋታታ ብፍላይ ድማ መንእሰያታን የምርሓ ኣሎ ኢሎም ዝቃወሞ ኤርትራውያን ንሓያሎ ዓመታት ክኸሱ ጸኒሖም::

እዞም ተቓወምቲ ኣብ ኤርትራ መሰላት ደቂሰብ ክሕሎ: ዲሞክራስያዊ ምርጫ ክካየድ: ብዙሕነት ሰልፍታት ክህሉ: ቁጠባ ህዝቢ ክመሓየሽን ካልእን ጻውዒታት ከቕርቡ ጸኒሖም ግን ዛጊት ዝሰምዖም ኣይረኸቡን::

ኣቐዲሙ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጻውዒት ዝበዝሕ ብሰላማዊ ሰልፍታት ተሰንዩ ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ ውጽኢታዊ ኣይነበረን::

ብርጌድ ንሓመዱ ዝበሃል ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ግን ዝግበር ተቓውሞ ሓይሊ ዝሓወሰ ብምኳኑ ንህግደፍ ስግኣት ፈጢርሉ ይርከብ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0