ዕጡቃት ኢትዮጵያ 16 ሱዳናውያን ከምዝቀተሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሓቢሩ

ዕጡቃት ኢትዮጵያ 16 ሱዳናውያን ከምዝቀተሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሓቢሩ

Radio Erena: 30 October 2015

Sud Inter

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝተኻየድ ግጭት፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዕጡቃት 16 ሱዳናውያን ከምዝቐተሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኤስማን ዓብደራሕማን ሓቢራ።

እቲ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህቦን።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ውን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ዞባ ገዳርፍ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ሸፋቱ ኢትዮጵያን ግጭት ከምዝተኻየደ ሱዳን ትሪቡን ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም’ውን ተመሳሳሊ ግጭት ከምዝተኻየደን ብውሕዱ 8 ካብ ወገን ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉን’ውን እቲ ማዕከን ዜና የመልክት።

መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቶም ዝኾነ መብርሂ ከይሃቡ እኳ እንተጸንሑ፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይት ሱዳን ኤስማን ዓብደራሕማን ብሮቡዕ 28 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ኣብቲ ዶብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 16 ሱዳናውያን ከምዝተቀትሉን 12 ከኣ ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊጹ።

ነበርቲ እቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዋስን ከባቢታት፣ ብዋንነት ናይ ሕርሻ መሬት ብቀጻሊ ከምዝሰሓሓቡ ይንገር።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0