ሰለስተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዐን ምንባረን ይግለጽ ኣሎ

ሰለስተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዐን ምንባረን ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 30 October 2015

3 ships

መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ከምዝተራእያ፣ ንናይ ሳትላይት ስለያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ስታርትፎር ገሊጹ።

እቲ ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምምእራር ዝነጥፍ መርበብ ኣብ ጸብጻቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ 16 መስከረም ሰለስተ መራኽብ ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸግዓ፣ ናይ ሳትላይስ ስእሊ ከምዘረጋግጸ የረድእ።

ኤርትራ፣ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ዘሎ ወትሃደራዊ ኪዳን ትተሓባባር ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ሪያድ ዝነበሩ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት የመን ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ኣቢሎም ብጀላቡ ናብ ዓደን ከምዝኣተው ኣይርሳዕን።

 

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0