ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃን ተኻይዱ

ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃን ተኻይዱ

Radio Erena: 30 October 2015

Ind Af

ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃን ተኻይዱ።

ኣብቲ ካብ 26 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣስታት 40 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ልዕሊ 10 ሃገራት ከኣ ብደረጃ ሚኒስተራ ተሳቲፈን።

ካብ ዝበዝሐ ዞባውን ኣህጉራውያን ዋዕላታት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ ናይ ህንዲ ዋዕላ ንኽሳተፍ፣ መንግስቲ ህንዲ ወግዓዊ ዕድመ እኳ እንተቕረበሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ብኣካል ክሳተፍ ኣይከኣለን።

 

ብኣካል ክሳተፍ ዘይክኣለሉ ምኽንያት’ውን ኣይተፈልጠን።

ነቲ ፕረዚደንት ወኪሉ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ተሳቲፉ።

እቲ ንሳልስቲ ዝጸንሐ ዋዕላ ህንድን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ’ታ ኣብ ኤስያ እትርከብ ሃገርን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ዝህሉ ናይ ወፍርን ንግድን ዕድላት ዘትዩ።

ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ንመበል ሳልሳይ እዋኑ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0