ዒድ ኣልፈጥሪ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብድምቐት ተባዒሉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና፣ ንዒድ ኣልፈጥሪ ብድሙቕ ሃይማኖታዊ በዓል ጸንቢሎሞ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወጻኢ ሃገራትን ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኣብ ከከተማኦም ናብ ዝርከብ መሳጊድ ብምዃድን ናይ ሓባር ዱዓ ብምግባርን ጾሞ ሮሞዳን ከምዝፈትሑ ዘበሰረት ዒድ ኣልፈጥሪ ክጽንብልዋ እንከለዉ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣመንቲ ምስልምና’ውን በብዓቕሞም ነዚ ዓቢ በዓል ይጽምብልዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ብዘይ ኣፈላላ ዝጽንበል ኮይኑ፣ ኣብዚ ትማሊ ተጸንቢሉ ዝወዐል ዒድ ኣልፈጥር’ውን ብተመሳሳሊ ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሓባር ይጽምብሉዋ ኣለዋ።
ሬድዮ ኤረና’ውን ንኹሎም ኣመንቲ ምስልምና እናቛዕ ጾሞ ረሞዳን ፈትሓልኩም እናበለት ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ክኾነልኩም ትምነ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0