ብሪጣንያ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ እናቐጸሎ ምጽቓጣ ትንቐፍ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምእካብ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ እናቐጸሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ስቕታ ምምራጹ ኒውስ ስቴትስ መን ነቒፋ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ብሪጣንያ ንኤምባሲ ኤርትራ መጠንቐቕታ ሂባ እኳ እንተኾነት፣ እቲ ኤምባሲ መስርሕ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ይቕጽሎ ምህላዉ ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ካልእ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ተመሳሳሊ ነቐፌታ ከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ቲ ናይ ብሪጣንያ መጠንቐቕታ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ንሓያሎ ዜጋታት ነቲ ክልተ ካብ ሚእቲ ክፍሊት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ክኸፍልዎ መምርሒ ክህብ እንከሎ፣ ኣብ ገለ እዋን ድማ ብስዉር ኣገባብ ገንዘብ ይቕበል ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
ኒውስ ስተኢትስመን ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብ 2011 ቁጽሪ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝነብሩ ኤርትራውያን 17 300 ይበጽሕ።

ከም ዝዝከር ኣብ ካናዳ ዝነበረ ቆንስል ኤርትራ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ካብታ ሃገር ተባሪሩ’ዩ።

ድሕሪ እገዳ ባይቶ ጸጥታ፣ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ምእካብ ክልተ ካብሚእቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ደው ክብል ንኤምባሲታት ኤርትራ መጠንቐቕታ ክህባ ድሕሪ ምጅማረን፣ እቶም ዜጋታት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ብጽሒቶም ክኸፍሉ ከምእተነግሮም ብሰፊሑ ይውረ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0