ኣብ ኣስመራ ጸልማት ተጎልቢቡ ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ይስዕርር።

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ጸላማት ተጎልቢቡ ዝፍጸም ዝምታ እናዛየደ ይምጸእ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፣ ጉዳይ ስርቕን ዝምታን ካብ ኣውራ ዕላላት ኮይኑ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ድሕሪ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ንኽትከዶም ዘሰክፉ ኮይኖም ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ኣስመራ፣ ምስ ካልኦት ከተማታት ኣፍሪቃ ብምንጽጻር ክትረአ እንከላ፣ እታ ብዙሕ ገበናት ስርቕን ዝምታን ዘይፍጸመላ ከተማ እኳ እንተኾነት፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ግና ስርቕን ዝምታን እናሳዕረረ ይመጽእ ኣሎ።

 

ኣብ ኣውራ ጎደናታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ፣ ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት በብከባቢኦም ዋርድያ ዘጹ እኳ እንተኾኑ፣ ነቲ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ ገበናት ክትራን ክገትኡ ግና ከምዘይክኣሉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣዘዝቲ ፖሊስ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክልኻል ገበን ንምግታእ ዝዓለመ ዋዕላ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም 25 ኣዘዝቲ ፖሊስ፣ ብፍላይ ኣብ ስርቒ መካይን ዘተኮረ ዘተ ብምክያድ፣ ፖሊስ ሃገራት ናይዚ ዞባ ብምትሕህባር ዝሰርሕሉ መንገዲ የናድዩ ምህላዎም ኒው ቪዥን ናይ ኡጋንዳ ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0