ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብኢንዱስትሪ ንዝፈርዩ ትራንስ ፋቲ-ኣሲድ ማለት ዝተመስርሐ ስብሒ ኣብ ምውጋድ ምዕባለ ዘርኣያ ሓሙሽተ ሃገራት ንፈለማ እዋን ምስክር ወረቐት ሂቡ

Radio Erena: Friday,02 February 2024

እተን ሃገራት ዴንማርክ፣ ሊትዋንያ፣ ፖላንድ፣ ስዑዲ ዓረብን ታይላንድን ክኾና እንከለዋ፣ ብኢንዱስትሪ ንዝፈሪ ትራንስ-ፋቲ ኣሲድ (TFA) ንምውጋድ ጽኑዕ ቁጽጽር ኣብ ምግባር ዝድግፍ ፖሊሲ ከምዘተኣታተዋ ተገሊጹ።

እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2018 ዝተቐመጠ ሸቶ፣ ክሳብ መወዳእታ 2023 እቲ ብኢንዱስትሪ ዝምስራሕ ስብሒ ካብ ዓለማዊ ቀረብ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ንምውጋድ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል እኳ እንተዘይከኣለ፣ ኣብዚ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ምዕባለታት ከም ዝተራእዩ ይግለጽ።

ኣብ 2023 ጥራይ ኣብ ሃገራት ግብጺ፣ ሜክሲኮ፣ ሞልዶቫ፣ ናይጀርያ፣ ፊሊፒንስን ዩክሬንን ሓደሽቲ ፖሊሲታት ውጽኢታዊ ኮይኖም።

ትራንስ-ፋቲ ኣሲድ (iTFA) ብዘይካቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ዝፈርዩ ብተፈጥሮ ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መግቢ ይርከቡ።

ዝኾነ ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘይብሉ ብክኢላታት ዝግለጽ ትራንስ-ፋቲ ኣሲድ፣ ብተደጋጋሚ ምስ መግቢ ተሓዊሱ ምስ ዝዝውተር ወቕዒ ልቢ ከኸትል ይኽእል።

53 ሃገራት ዓለም ኣብ መግቢ ንዝርከብ TFA ንምምካት ሓደሽቲ ፖሊሲታት ተግባራዊ ጌረን፣ እዚ ድማ ን3.7 ቢልዮን ሰባት፣ ምስ ቅድሚ 5 ዓመት ዝነበረ 6% ክነጻጸር ከሎ ናይ 46% ካብ ህዝቢ ዓለም ኣመጋግባ ተመሓይሹ ማለት`ዩ።

እዞም ፖሊሲታት ኣብ ዓመት ኣስታት 183 000 ህይወት ከድሕኑ ትጽቢት ይግበር።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ “ትራንስ ፋት ዝፍለጥ ጥዕናዊ ረብሓ የብሉን፣ ግን ከኣ ዓቢ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ኣለዎ” ብምባል “ብዙሓት ሃገራት ኣብ መግቢ ዝርከብ ትራንስ ስብሒ ዝእግድ ወይ ዝድርት ፖሊሲታት ምትእትታወን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

መብዛሕትኡ ትራንስ ፋት ወይ ዝተመስርሐ ስብሒ ብኢንዱስትርያዊ መስርሕ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ኣብ ዘይቲ ኣሕምልቲ ሃይድሮጅን ብምውሳኽ፡ እቲ ዘይቲ ኣብ ናይ ክፍሊ ሙቐት ብኸፊል ድሩቕ ክኸውን ይገብሮ።

ኣብቶም ካብ ዕዳጋ እነህልኾም መግብታት ብትራንስ ፋቲ ኣሲድ (iTFA) ወይ ብኸፊል ሃይድሮጅን ዘለዎ ዘይቲ (PHO) ይፍለጥ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝርዝር ቀመማት ናይቶም እንገዝኦም መግብታት ክንረኽቦ ንኽእል።

ዝተመስርሐ ስብሒ ብብዝሒ ኣብ ብዘይቲ ተጠቢሶም ተዓሺጎም ዝሽየጡ መግብታት ብብዙሕ ዓቐን ይርከብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0