ሱዳን፣ 8 ሚልዮን ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም፡ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንስደተኛታት የድልያ

Radio Erena: Friday,02 February 2024

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ፊሊፖ ግራንዲ ትማሊ ረቡዕ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዘሎ ኩናትን ግጭታትን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላእ ህጹጽን ተወሳኺን ደገፍ ክግበር ጸዊዑ።

ግራንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት፣ ብፍላይ ድሕሪ ግጭት ዩክሬንን ጋዛን ብዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ተረሲዑን ተወንዚፉን ከምዝነበረ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብግርጭታትን ውሽጣዊ ምምዝባላትን ኣዝዩ ዝተሃስየ ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ድማ ጸዊዑ።

ብመሰረት እቲ ኮምሽነር ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ኩናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ኣስታት 8 ሚልዮን ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም።

ግራንዲ ብተወሳኺ ነቶም ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ምምዝባላት ዝኾኑ ዘለዉ ወተሃደራውያን ጀነራላት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ከብቅዑን ብዘይምኽኣሎም ወቒሱ።

ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣስታት 47 ሽሕ ስደተኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሓደሽቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ሱዳናውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ከባቢታት ዶብ ርሒቖም ኣብ ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ዝርከብ ሓደሽቲ ሰፈራታት ይግዕዙ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዞባ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ሓሓሊፉ ዝርአ ኣብ መንጎ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፌደራልን ዝፍጠር ግጭታት ንስደተኛታት ምሉእ ውሑስነት ዝህብ ቦታ ዘይምዃኑ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ፈለማ 2022፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ዞባ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ መንጎ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፌደራልን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ምህዳሞም ከም ዝገለጸ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ብ18 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ቶጎ ውጫለ ዝተኻየደ ውግእ ስዒቡ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ 10,300 ስደተኛታት ዘአንግድ መዓስከር ከምዝተቓጸለ ዝተዘምተን ይዝከር።

ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምትእንጋድ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ብመሰረት መግለጺ UNHCR ኣብዚ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ኣስታት 1 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለዉ።

ኣብ 2024፡ ሓፈሻዊ ጠለባት UNHCR ኣብ ኢትዮጵያ ብድምር ኣስታት 426 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0