ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ፕረዚደንት ጅቡቲን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣባላት ዘትዮም

ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ፕረዚደንት ጅቡቲን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣባላት ዘትዮም

Radio Erena: 07 February 2018

Araba league and Djibouti

ዋና ጸሓፊ እቲ ማሕበር ኣሕመድ ዓብዱልገይት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣባላት ሃገራት ከምዝዘተዩ፣ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ርክብ፣ እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ጅቡቲ ርግኣትን ምዕባለን ክትረክብ ንእትግበሮ ዘላ ጻዕሪ ከምዝድግፍ ብምርግጋጽ፣ ምስታ ሃገር ንምትሕብባር ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብቲ ርክብ ብዘይካ’ዚ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ 23 ለካቲት ንዝካየድ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ጅቡቲ ከም ተዓዛቢ ኣካል ንኽሳተፍ ብመንግስቲ ጅቡቲ ንዝቐረበሉ ተቐቢሉ።

ፕረዚደንት ገለን ዋና ጸሓፊ ኣሕመድ ዓብዱልገይትን ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኩነታት ፍልስጤም፣ የመንን ሶርያን ድሕሪ ምምይያጥ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ስዑዲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ናይቲ ማሕበር ዘትዮም።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ 22 ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ክህልዎ እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ ካብ 2003 ኣትሒዛ ከም ተዓዛቢት ኣባል ምዃና ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0