እስራኤል፣ ስደተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክወጹ ዝእውጅ ምልክታ ተዘርጊሑ

እስራኤል፣ ስደተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክወጹ ዝእውጅ ምልክታ ተዘርጊሑ

Radio Erena: 06 February 2018

israel

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክወጹ ምልክታ ከምዝዘርግሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ስደተኛታት ቪዛ ኣብ ዘሐድስሉ፣ ኣብ ብናይ ብራኽ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ህዝብን ኢምግሬሽንን ተለጢፉ ዘሎ ወግዓዊ ሓበሬታ፣ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጽእ ክቕረብን መንግስቲ እስራኤል ናይ ነፋሪትን ተወሳኺ 3500 ዶላር ክፍሊትን ከዳልወሉ ምዃኑን ዝገልጽ’ዩ።

ኣብቲ ምልክታ ስማ ዝተጠቕሰት ሳልሰይቲ ሃገር እኳ እንተዘየላ፣ ርዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክትከውን ከምእትኽእል መርበባት ሓበሬታ እስራኤል ግምታተን ይህባ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ምልክታ ብተወሳኺ፣ ነዚ ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ መስርሕ ዝነጸገ ስደተኛ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።

እንተኾነ፣ ኣማሓደርቲ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ነዞም ስደተኛታት ዝኣክል ቤት ማእሰርቲ ከምዘየለ ይገልጹ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነዚ ምልክታ ዝዝርግሕ ዘሎ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሓካይም፣ ክኢላታት ሕጊ፣ ኣብረርቲ ነፈርትን ካልኦት ኣካላት ማሕበረ ሰብ እስራኤልን ንፖሊሲ ግዱድ ምስጓግ ስደተኛታት ዝቃወም ጥርዓናት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ እስራኤል ከተግብሮ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ቀዳማይ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣስታት 27 ሽሕ ኤርትራውያን እቶም ፍርቆም ክጽለዉ’ዮም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0