ግብጽን ሱዳንን፣ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ንምዝታይ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ጸጥታን ክራኸቡ’ዮም

ግብጽን ሱዳንን፣ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ንምዝታይ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ጸጥታን ክራኸቡ’ዮም

Radio Erena: 07 February 2018

Egypt Sudan FM

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ናብ ዝበኣሰ ዝርዙ ዓሪጉ ዘሎ ምትፍናን ግብጽን ሱዳንን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሓለፍቲ ጸጥታን ክልቲኤን ሃገራት፣ ንሓሙስ 8 ለካቲት ክራኸቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ከተማ ካይሮ ካይሮ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ፣ ፕረዚደንታት ሲሲን በሽርን ድሕሪ ዝበጽሕዎ ምርድዳእ ዝተወሰነ ምዃኑ የነጽር።

ብመሰረት እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ክልትኣዊ ዘተ ከካይዱ እንከለዉ፣ ሓለፊ ጸጥታ ብወገኖም ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዕጹው ኣኼባ ከካይዱ’ዮም።

ድሕሪ’ዚ በበይኑ ዝካየድ ርክብ ድማ ኣብ መወዳእታ ሓባራዊ ኣኼባ ብምክያድ፣ ዝተዘተየሎም ኣርእስታትን ዝተበጽሑ ምርድዳኣትን ብዝምልከት ሓባራዊ መግለጺ ክህቡ ትጽቢት ኣሎ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዞባ ሓላይብን ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን፣ እቲ ምትፍናን ካብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ኣትሒዙ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ድሕሪ ምሕሪ ምዕራጉ፣ ሱዳን ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብዶብ ከሰላ ጸጥታዊ ስግኣት ክፈጥረለይ ይኽእል’ዩ ብዝብል ነቲ ዶባት ክትዓጽዎን ሰራዊት ከተዋፍርን ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

ሱዳን ድሕሪ’ዚ ዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፣ ስሒባቶ ዘላ ኣምባሳደራ ናብ ግብጺ ክትመልስ ተኽእሎ ኣሎ።

ብዛዕባ ምኽፋት እቲ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ግና ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0