ሱዳን፣ ፈጣን ሓይልታት ንዞባ ዳርፉር ንምቑጽጻር ይግስግሱ

Radio Erena:Thursday, 02 November 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልት ወትሃደራውያን ጉጅለታት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ዳርፉር ዓበይቲ ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ኣብቲ ዞባ ብኣገዳስነታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንእትስራዕ፣ ከተማ ኒያላ ዝተቖጻጸሩ ፈጣን ሓይልታት፣ ናብ ሰሉስ፣ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድማ ንዋና ከተማ ማእከላይ ዳርፉር ዝኾነት ዛለንጀ ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍልጦም።

ፈጣን ሓይልታት፣ ንዞባ ዳርፉር ንምቑጽጻር ዝግስግስ ዘለዉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት’ዩ።

ብኣመሪካን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ተወዲቡ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ድማ ንመጀመርያ እዋኖም ዝሳተፉዎ ዘለዉ፣ ዳግም ጀሚሩ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ሓይታት ሱዳን ዛጊት ውጽኢቱ ኣይተሓበረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ ከቕውም’ዩ ክብሃል ዝጸንሐ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደለፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ናብ ከባቢ ካርቱም ከምዝተመልሰ ይግለጽ ኣሎ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ካርቱም ምስ ዝርከቡ ጀነራላቱ ብምርኻብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት ንምግታእ፣ ሰፊሕ ጸረ መጥቃዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0