ወከልቲ ሰራዊት ሱዳን ናብ ዘተ ጂዳ ተመሊሶም

Radio Erena: Monday, 17 July 2023

ወከልቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ መንጎኦምን ፈጣን ሓይልታት ረድኤትን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ንምቕጻል ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተመልሱ ተሓቢሩ።

መንግስታውያን ምንጭታት፣ ብቀዳም 15 ሓምለ፣ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ(AFP) ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ወከልቲ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዘተ ንምቕጻል ናብ ጅዳ ከም ዘምርሑ ኣረጋጊጾም።

ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጅጃ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ዘተ ከካይዱ`ኳ እንተጸንሑ፡ ብተደጋጋሚ ዝጠሓስ ግዝያዊ ምቍራጽ ቶዅሲ ካብ ምኽታም ዝሓልፍ ናብ ዝኽእል ስምምዕ ግን ኣይበጽሑን።

ድሕሪ’ዚ ዘይተዓወተ መስርሕ ድማ፣ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካብቲ ናይ ጂዳ ዘተ ንምውጻእ በይናዊ ስጉምቲ ወሲዶም።

እንተኾነ፣ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ሰራዊት ሱዳን ስጉምቲ፣ ወግዓዊ መግለጺ ከይሃብሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ’ዩ እንደገና፣ ናብ ዘተ ጂዳ ከምዝተመልሱ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስትን ጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ዝመርሖ ፈጣን ሓይልታትን፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ግጭታት ብዘተ ንምፍታሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢትዮጵያን ኢጋድን ዝተወስደ ተበግሶ፣ ሰራዊት ሱዳን ስለ ዝነጸጎ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ’ውን ይዝከር።

ድሕሪ ሳልስቲ ናይዚ ናይ ኢጋድ ተበግሶ’ውን፡ ግብጺ ብዝገበረቶ ዕድመ መሰረት፣ መራሕቲ ናይተን ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገረ ከምዝዘተዩ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0