ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ራብዓይ ኣዛዚ ፖሊስ ተቐንጺሉ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ቖቦ ብዝተጓሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም

Radio Erena: Tuesday, 18 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ብዘሎ ምትፍናንን ጸጥታዊ ሃጓፋትን፣ ኣብ ከባቢ ቆቦ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

እቲ ብሓሙስ 13 ሓምለ፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ፣ ከባቢ ራያ ቆቦ ዝተወልዐ ግጭት፣ ክሳብ ንጽባሒቱ፣ ዓርቢ 14 ሓምለ፣ ሰዓታት ናይ ምሸት ከምዝቐጸል ዘ ሪፖርተር ንነብርቲ እቲ ከባቢ ብምዝርራብ ጠቒሱ።

እቲ መርበብ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ በቲ ግጭት ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰለማውያን ሰባት ብውሕዱ ሰለስተ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ዝቖሰሉ ብዝሒ ግና ብንጹር ኣይተጠቐሰን።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዕጥቖም ከውርዱ ዝተነግሮም ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ሚልሻታት ዝጀመርዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት፣ ከምዝሃድአ ብወገን መንግስቲ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ጸጸኒሑ ይነቱግ ምህላዉ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር የቃልዓ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደብረብርሃን፣ ኮማንደር ምንውየለት ጭንቅሎ፣ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐንጺሉ።
ኣብቲ ክልል ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ፣ ኣዛዝቲ ፖሊስ ክቕንጸሉ፣ እዚ ናይ ደብረብርሃን ራብዓይ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ቅንጸላታት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣምሓራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ መተከል፣ ግልገል በለስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዝተጓሃሃረ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ’ቶም ብስም ስምምዕ ንሰላም፣ ካብ ጫካታት ዝተመልሱ ዕጡቓትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ከምዝተኻየደ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ግጭት፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሲ ኣብ ዝርከበሉ ዞባ መተከል፣ ግልገል በለስ ምክያዱ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ እቲ ዞባ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት፣ ጸጥታኡ ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0