ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ እትቕጽሎ ዘላ መጥቃዕቲ ዝኹንን ተወሳኺ መግለጺ ኣውጺኡ

Radio Erena: Monday, 17 July 2023

ሚንስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት፡ ብፍላይ ድማ ማእሰርቲ ኣማኢት የመናውያንን ምህጋር ጀላብኦምን ናውቲ መግፈፊ ዓሳን ኮኒኑ።

እቲ ሚንስትሪ፣ ብቀዳም 15 ሓምለ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ የመናውያን፡ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሮም፡ ኣብ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም እናሃለዉ፡ ብሓይልታት ኤርትራ ዝወርዶም ዘሎ ዝተፈላለየ ዓይነታት መጥቃዕታት ከም ዘቖጥዖ ኣፍሊጡ።

ሚንስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ብተወሳኺ፣ ዝሓለፈ ሓሙስ፣ ኣብ ልዕሊ የመናዊ ገፋፊ ዓሳ ኑሲ ሓይልታት ኤርትራ ተኹሲ ብምኽፋት ዝፈጸምዎ ቅትለት፡ መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እተካይዶ ዘላ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ ክብል ወቒሱ።

ኤርትራ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕታት ትፍጽም ምህላዋ ዘተሓሳሰበ እቲ መግለጺ፣ እዚ ድማ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሮም ንጥፈታቶም ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ የመናውያን ብኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ መቕተልትን መጭወይትን፡ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹና ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ትም ምባሉ ከም ዘተሓሳሰቦ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ንዝፍጸም ዘሎ ገበናት ደው ንምባል ክሰርሓን፡ ኤርትራ፣ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ንዝህልወን ረብሕእታት ከተኽብር ክሓትኣን ጸዊዑ።

የመንን ህዝባን ማያዊ ግዝኣታ ንምክልኻል ከም እትግደድ ኣብ መወዳእታ ዘጠንቀቐ እቲ መግለጺ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ነቲ ናብ ጎነጽ ከዕርግ ዝኽእል ስጉምታት ዝወስዱ ንዘለዉ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ተሓተቲ ክገብሮምን ተማሕጺኑ።

ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያዊ ግዝኣተይ ኣትዮም ብዝብል ክስታት፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትኣስርን ንብረቶም ክትህግርን ምጽንሓ ብወገን የመን ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ዝኾነ ሓበሬታ ሂቡሉ’ውን ኣይፈልጥን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0