ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ደው ከብሉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

Radio Erena: Thursday, 03 August 2023

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ዘሎ ዓመጽ ደው ከብሉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ኣህጉራውያን ትካላት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ጻውዒት’ዚ ዝቐርብ ዘሎ፣ ‘ሲሃ’ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጭዋይ ተዋፊሩ ኣሎ፣ ድሕሪ ምባሉ’ዩ።

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፣ ምልሻታት ሓምዳን ዳግሎ፣ ደቂ ኣንስትዮ ጨውዮም ንባርነት የቃልዑወን ከምዘለዉ ዝሕብር መርትዖታት ኣኪቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ኣል ፋሽር ዝተባህለ ሰሜን ዳርፉር፣ እቶም ምልሻታት ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ክኾና ዝኽላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝቐየዱሉ፣ ህዝቢ ክፈትሑወን ኣብ ዝሓተተሉ፣ 30 ሚልዮን ፓውንድ ሱዳን ክኸፍሉ ከምዘገደዱዎም ተገሊጹ።

ደቂ ኣንስትዮ ብምጭዋይ፣ ንክፈትሑወን ስድራቤተን ገንዘብ ክኸፍሉ ምሕታት ኣብ ዞባ ዳርፉር ልሙድ ኮይኑ ምህላዉ ዝገልጹ ነበርቲ፣ ሓድ-ሓደ ግዜ እቲ ክፍሊት ክሳብ 650 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ከምዝበጽሕ ሓቢሮም።

‘ሲሃ’ ኣብቲ ትማሊ 2 ነሓሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣባላት ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ከተማ ካርቱም’ውን ተመሳሳሊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስዮ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ብግላጽ፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ገበን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ከይተኸወሉ፣ ብቃልዕ ይፍጽምዎ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ብ13 ሓምለ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣባላት ምልሻ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ምህላዎም ዘርእይ መርትዖታት በጺሑ ምህላዉ ገሊጹ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0