ብህግደፍ ኣብ ዝተወደበ ፈስቲቫል ስካንዲናቭያን፣ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: Thursday, 03 August 2023
ብህግደፍ ዝተወደበ ፈስቲቫል ስካንዲናቭያን፣ ኣብ ዝጀመረሉ ሓሙስ 3 ነሓሰ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘካየዱዎ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ፣ ብውሑዱ 7 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ሽወደን ገሊጸን።
ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ፍቓድ ምሃቡ፣ እንተኾነ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ቀጽሪ ጥሒሶም ብምእታው ብኣእማንን ኣባትርን መጥቃዕቲ ምጅማሮም ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣርባዕተ ሰባት ከቢድ መጉዳእቲ ክወርዶም እንከሎ ሰለስተ ከኣ ብፎኪስ ምቑሳሎም፣ ፖሊስ ሽወደን ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ፈስቲቫል መካይንን ቴንዳን ምቅጻሉ ዝሓበረ ኣሶሼትድ ፕረስ ብወገኑ፣ ፖሊስ ንቀንዲ መተሓላለፊ ጽርጊያ ከምዝዓጸዎ ኣመልኪቱ።
ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝካየድ ፈስቲቫል ህግደፍ፣ ክሳብ ሰንበት ክቕጽል መደብ ወጺኡዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ፖሊስ ሽወደን ነቲ ጉዳይ ከመይ ክሕዞ’ዩ፣ ዛጊት ኣይተሓበረን ዘሎ።
ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፣ ዓመት መጸ ብደገፍቲ’ቲ ስርዓት ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ ካብዚ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝብል ምትእኽኻብ መንእሰያት ዝጅምር ንደሓር፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተቓውሞ ገጢሙዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0