ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ መንገድታት ከምዝተዓጽዉ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን

Radio Erena: Thursday, 03 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሰራዊትን ዕጡቓት ሓይልታትን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ሓያሎ መንገድታት ከምዝተዓጽዉ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ብፍላይ ኣብ ጎንደር ምስ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ቁጽሮም ብወግዒ ዘይተገልጸ፣ ምዉታትን ቁሱላትን ምንባሮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዘ ሪፖርተር ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፣ ፋኖ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ፈደራል ተሰሊፉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብወገኖም፣ ኣብ ደብረ ታቦር ብሰሉስን ረቡዕን፣ ጽዑቕ ምልውዋጥ ተኹሲ ምንባሩ ሓቢሮም።

ኣብቲ ምልውዋጥ ተኹሲ ዝቖሰሉ ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ዝገልጹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ናብ ደብረ ታቦር ዘእቱ መንገድታት ተዓጽዩ ብምህላዉ፣ ብእግሮም ክጎዓዙ ከምዝተገደዱ ገሊጾም።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት’ቲ ዞባ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተቛሪጹ ከምዘሎ ዝገልጹ ነበርቲ ብወገኖም፣ ሰራዊት ፈደራል ኣብ ዝተቖጻጸሩዎ ቦታታት፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ተፍትሽ የካይዱ ምህላዎም ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቓት ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ብመንግስቲ ወግዓዊ መብርሂ ኣይተዋህበሉን ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0