ግብጺ፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር ናብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ትጠርዕ

Radio Erena: Sunday, 10 September 2023

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ህዳሴ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ፤ ግብጺ ጸዊዓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፤ ኣብ መበል 160 ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፤ ‘ኣብ 27-28 ነሓሰ ክኽተም ዝነበሮ ስምምዕ፤ ኢትዮጵያ ብዘይምስምማዓ ደው ኢሉ፤ እዚ ከኣ ካብ ፈለምኡ’ውን ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ቅሩብነት ከምዘይነበራ ዘመልክት እዩ’ ክብል ከሲሱ።

ንሱ ኣብ ቃሉ፤ ‘ዓረብ ሊግ፤ ኣብ ጎድኒ ግብጽን ሱዳንን ደው ብምባል፤ ንኢትዮጵያ ክኹንን ንጽውዕ’ ብምባል፤ እቲ ዲጋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግብጺ ኣውሪዱዎ ዘሎ ስግኣት ንምእላይ፤ ደገፍ’ቲ ሕብረት ከምዘድልይ ኣመልኪቱ።

ጉዳይ ፈለግ ናይል ብዘተ ንምፍታሕ፤ መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዝኣተዉዎ ሓድሕድ መብጽዓ ዳግማይ ዝጀመረ ዘተ፤ ገና መዕለቢ ኣይተረኽቦን ዘሎ።

ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙኒ ኣሎ እትብል ግብጺ፤ ቁጽሪ ህዝባ’ውን ናብ 104 ሚልዮን ደዪቡ ብምህላዉ፤ ተወሳኺ ቁጠባዊ ብድሆ ኮይኑዋ ከምዘሎ ትገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0